Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ጉምሩኽ ንምዝማን ዝሕግዝ ስምምዐዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣሰራርሕኡ ቅልጡፍ፣ ግልፂን ተበፃሒን ንምግባር ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ ዝተኣመነሉ ስምምዕነት ምስ ኢትዮጵያ ፍራይት ፎርዋርደርስ ሺፒንግ ኤጀንትስ አሶስሽን ተፈራሪሙ።

እቲ ስምምዕነት ኮሚሽነር ኮሚሽን ጉምሩኽ ኣይተ ደበሌ ቃበታን ኣዶ መንገር ቦርድ እቲ ማሕበር ወይዘሮ ኤልሳቤጥ ጌታሁን ኢዮም ተፈራረሞምዎ።

ስነ-ስርዓት ኣፈፃፅማ ጉምሩኽ ከምኡ እውን ኣብ ግልጋሎት ሎጂስቲክስ ዘጋጥሙን ካልኦት ክፍተታትን ክፈትሕ ስምምዕነት ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ፥ ኣይተ ደበሌ ቃበታ ኣብቲ እዋን ስምምዕነት ገሊፆም።

ተዋዲድካ ብምስራሕ ምዕሩይ ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ፣ ተወዳዳራይነት ሎጂስቲክስ ክብ ክብል ብምግባር ኢኮኖሚ ዘፈልፍሎ ቀረፅን ታክሲን ንምእካብ ከምዝሕግዝ ድማ ኣዶ መንበር ቦርድ እቲ ማሕበር ወይዘሮ ኤልሳቤጥ ጌታሁን ተዛሪበን።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ስርዓትን ባህሊን ተገዛኣይነት ሕጊ ክጉልብት ንምግባር ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከመዝኾነ ምሕባረን ካብ ሚኒስቴር እቶት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.