Fana: At a Speed of Life!

ስርዓት ዕድጊት ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘተ ይግበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 20 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስርዓት ዕድጊት ብዝምልከት ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዘተ ይግበር ኣሎ።

በዓል መዚ ምምሕዳር ዕድጊት ንብረት መንግስቲ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣብ ሃራማያ ዩኒቨርሲቲ መድረኽ ዘተ የሳልጥ ኣሎ።

መንግስቲ በቢዓመቱ ካብ ዝምድቦ ዓመታዊ ባጀት እቲ 70 ሚኢታዊ ንዕድጊት ንብረት ዝውዕል እንትትኾን፥ እቲ ትልሚ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ንክውዕል ግልፅነት ዝመልኦ ኣሰራርሓ ክትግበር ኢሉውን ምምሕዳር ዕድጊት ንብረት ብፍላይ ድማ ምስ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብሓባር እናተሰርሐ ይርከብ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ዴኤታ ምትእስሳር ንግድን ዞባን ኣይተ ተሻለ በልሁ፥ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዕድጊት ዘድልዮም መሰረታዊ ሸቐጣትን ኻልኦት ናውትን ብግልፅነትን ንዝተሓሰበሎም ዕላማን ክውዕሉ ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ዳይሬክተር ዕድጊት ንብረት መንግስቲ ኣይተ ሓጂ ኢብሳ ብግዲኦም፥ ኣብ ከይዲ ስርዓት ዕድጊት ንብረት ዘጋጥሙ ፀገማት ንምንካይ ሓደሽቲ ኣሰራርሓታት እናተዘርግሑ እዮም ኢሎም።

ካብ ሒዲት ዓመታት ጀሚሩ ዘሎ ሜላ ዕድጊት ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ዙርያ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተሰርሐ ምዃኑ ዝገለፁ ኣይተ ሓጂ፥ ምስ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ሳይነስን ቴክኖሎጂን የስራሕ ኣሎ ኢሎም።

ብተሾመ ሃይሉ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.