Fana: At a Speed of Life!

ስርዓተ ምግቢ ማሕበረሰብ ንምምሕያሽ ፕሮጀክት 70 ሚሊየን ዶላር ተኸቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ስርዓተ ምግቢ ማሕበረሰብ ንምምሕያሽ ኣብ ሞንጎ ሚኒስቴር ጥዕናን ትካል ተራድኦ ኣሜሪካ (ዩኤስኤይድ)ን ስምምዕነት ፕሮጀክት 70 ሚሊየን ዶላር ተኸቲሙ።

እቲ ፕሮጀክት ስምምዕነት ኣብ ኢትዮጵያ ስርዓተ ምግቢ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን ሰገናት ደቂ ኣንስትዮን ንምምሕያሽ ዝውዕል ከምዝኾነ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ሕፅረት ዝተመጣጠነ ምግቢ ንምክልኻል ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ተኣሚኑሉ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ስምምዕነት ኣብ ኢትዮጵያ ንሓደጋ ምላሽ ንመሃብ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ሰብኣዊ ሓገዛት ንምቕራብ ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ሸሞንተ ክልላትን ሓንቲ ምምሕዳር ከተማን ኢትዮጵያ ዝርከቡ 155 ወረዳታት ዝትግበር ከምዝኾነ ካብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.