Fana: At a Speed of Life!

ስርናይ ካብ ወፃኢ ዓዲ ነዘይምእታው ዘኽእል ስራሕ ይስራሕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታሕስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ካብ ወፃኢ ዝኣቱ ስርናይ ንምቕራይ ዘኽእል ስራሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ሕርሻ ኣይተ ዑመር ሑሴን፥ ልዕሊ 14 ሺሕ ሄክታር ስርናይ ቆላ ብመስኖ እናለምዐ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ቆላማ ከባቢታት ስርናይ ንምልማዕ ኣብ 3 ሺሕ ሄክታር ብዝሒት ዘርኢ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብቶም ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓማውቲ ብልዑል ሸርፊ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣቱ ዘሎ ስርናይ ንምቕራይ ኣብ ልምዓት ስርናይ ቆላ ትኹረት ተገይሩ ከምዝስራሕ ኢዮም እቶም ሚኒስትር ዝሓበሩ።

ኣንበጣ በረኻን እዋኑ ዘይሓለወ ማይን ኣብ ብኽነት ፍርያት ዘብፀሖ ጉድኣት ዝምልከት ዳህሳስ መፅናዕቲ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ኣብ ቀፃሊ ከምዝግለፅ እውን ኣገንዚቦም።

መንግስቲ መሳርሒታት ሜካናይዜሽን ብነፃ ቐረፅ ንኸኣትዉ ምውሳኑ፥ ኣብ ምዕባይ ምህርቲን ምንካይ ብኽነትን ብርቱዕ ምልዕዓል ከምዝፈጠረ ኣይተ ዑመር ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት ብኣዝርእቲ ካብ ዝተሸፈነ 12 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሄክታር መሬት እቲ 9 ነጥቢ 8 ሚሊዮን ሄክታር ክእከብ ከምዝኸኣለ ፍሊጦም።

እቲ ዝተረፈ ምህርቲ ኣብ ዝቕፅሉ ክልተ ሰሙናት ንምእካብ ኩሉ ክፋል ሕብረተሰብ ርብርብ ንኽገብር ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ሚኒስትር ሕርሻ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.