Fana: At a Speed of Life!

ስርናይ፣ ዘይቲ፣ ሽኮርን ሩዝመን ካብ ቀረፅን ታኽሲን ናፃ ክኾኑ ተወሰኑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናሕሪ ዋጋ ኣብ ሕብረተሰብ ዘሕድሮ ፅዕንቶ ንምንካይ ስርናይ፣ ዘይቲ፣ ሽኮርን ሩዝመን ካብ ቀረፅን ታክስን ናፃ ክኾኑ ተወሰኑ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ዶክተር ኢዮብ ተካሊኝ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ወሰንቲ ኣብ ዝኾኑ ሸቐጣት ምምሕያሽ ታክስን ቀረፅን ከምዝተበረ ተዛሪቦም።

ፍርያታት ስርናይ፣ ዘይቲ፣ ሽኮርን ሩዝመን ካብ ውሽጢ ሃገር ይኹን ወፃኢ ዕድጊት እንትፍፀም ካብ ዝኾነ ይኹን ቀረፅ ናፃ ክኾኑ ከምዝተወሰነ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።

ፓስታ ማካሮኒን እንቋቖሖን ድማ ቀረፅ ከምዘሎ ኮይኑ ተወሳኺ እሴት ታክስ ከምዝተለዓለሎም እቶም ሚኒስትር ገሊፆም።

ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ንዝምልከቶም ቤት ዕዮታትን ኣፈፀምቲ ኣካላትን መምርሒ ከምዝተመሓላለፈ ተዛሪቦም።

እቶም ሚኒስትር ዲኤታ ኣብ መግለፂኦም፥ ፍቓድ ፍራንኮ ቫሉታ ስለዝተናወሐ ፍርያት ምእታው ዝጀመሩ ኣካላት ክቕፅሉሉ ከምዝኽእሉ ሓቢሮም።

ብትእግስት ኣብረሃምን ፍሬህይወት ሰፊውን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.