Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ወርሒ ሓምለ  ከምዝጅመር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ኣብ ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ከምዝጅመር ተገሊፁ።

ብኣምባሳደር ጣሊያን ኣብ ኢትዮጵያ ኣጎስቲኖ ፓሌሴ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣይተ ጌታቸው ረዳ ብመዃን ኣብ ሓወልቲ ኣኽሱምን ቤተክርስትያን ማርያም ፅዮንን ዑደት ኣሳሊጡ።

እቲ ዑደት፥ ጉዳይ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣክሱም ኣይተ ኣበበ ብርሃነ ተዛሪቦም።

ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ንምጅማር መፀገኒ መበገሲ ዝኸዉን 3 ሚልየን ዩሮ ከምዝተፈቐደ እቶም ከንቲባ ገሊፆም።

ስራሕቲ ፅገንኡ ድማ ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ 2016 ዓ.ም ክጅመር ኢዩ ኢሎም።

ንፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ዘገልግሉ ናውቲታት ኣብ 2012 ዓ.ም ከምዝኣተወ ይዝከር።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.