Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱም ናብ ተግባር ንምእታው ስምምዕነት ተፈሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ፅገና ሓወልቲ ኣኽሱምን መቓብር ቦታ ነገስታትን ናብ  ተግባር ንምእታው ስምምዕነት ውዕሊ ፅገናን ርኽክብ ቦታን ተኻይዱ።

በዓል መዚ ሓድጊ ኢትዮጵያ ሓወልቲ ኣኽሱም ቁፅሪ ሰለስተን ኣብ ትሕቲኡ ዝርከቡ ናይ ነገስታት መቓብርን ንምፅናዕን ርኽክብ ቦታ መጀመሪ ፕሮጀክትን ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣሳሊጡ፡፡

እቲ በዓል መዚ ምስ ኣማኻሪ ትካል ሓወልቲ ኣኽሱም ቁፅሪ 3 ሙዚየም ናይ ነገስታት መቓብርን መፅናዕቲ ፅገና ‘ብሪክ ኣርክ’ ሙሉእ ንሙሉእ ናይ ምኽላስ ስራሕን ምድላው ሰነድ ገምጋም ፅዕንቶ ስራሕቲ ፅገናን ከምኡ እውን ኣብ እዋን ስራሕቲ ተግባር ፅገና ናይ ምምኻርን ክትትልን ተግባር ንምውጋንን ዘኽእል ስምምዕነት ውዕሊ ምስ ኤምኤች ኢንጅነሪንግን ስቱድዮ ክሮቺን ተፈራሪሙ፡፡

ኣብ ሓወልቲ ኣኽሱም ቁፅሪ 3 ምንስሓብ መሰረትን ተተሓሓዝቲ ጉድኣታትን ብምግጣሞም እቲ በዓል መዚ ምስቲ  ትካል ካብ 2008 ክሳብ 2010 ዓ.ም መፅናዕቲ ቅድመ ፅገና እናካየደ ከምዝፀንሐ ተገሊፁ፡፡

እቲ መፅናዕቲ ብውድብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህሊን (ዩኔስኮ) ንኽግምገም ተላኢኹ ተወሳኺ መብርሂታትን ሕቶታትን ናብቲ በዓል መዚ ቀሪቦም ናይ መብርሂ ሰነድ ምስንዳእ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.