Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ፅሬትን ስልጠናን ንምምሕያሽ ፈጠራ ዕድል ስራሕ መንግስቲ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ባንኪ ዓለም ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብምጥያሽ ስራሕቲ ፅሬት ስልጠናን ንምምሕያሽን ዕድል ስራሕ ንኽፍጠር ዝገበሮ ፃዕሪ ዝበረታታዕ ከምዝኾነ ኣብ ባንኪ ዓለም ዳይሬክተር ዘፈር ትምህር ምብራቕን ደቡብን ኣፍሪካ ሳፋ ኤል ኮጋሊ ገሊፀን።

እተን ዳይሬክተር ሞያን ቴክኒክን ዕድል ስራሕ ኣመልኪተን ምስ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ልዝብ ኣካይደን።

ሳፋ ኤል ኮጋሊ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሚኒስቴር ስራሕን ክእለትን ብምጥያሽ ነቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ዓቢዪ ሓላፍነት ሂቡ ኣብ ዘፈር ቴክኒክን ሞያን ፅሬት ስልጠና ንምሕላውን ዕድል ስራሕ ንኽፍጠር ዝገበሮ ፃዕሪ ንኢደን።

ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል፥ ስልጠና ቴክኒክን ሞያን ብዕዳጋ ስራሕ ዝተቓነየ ንኽኸውንን ንመናአሰይ እውን ኣተሓሳስባ ስራሕቲ ፈጠራ ዕድል ንምስራፅ ብትካላት ቴክኒክን ሞያን ኣቢሉ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ስራሕቲ ምትሕብባር ብምጥንኻር ንዕቤት ሃገር ናይ ባዕሎም ግደ ከምዝዋፅኡ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.