Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ዓውዲ ትራንስፖርት ፀገም ፈታሕቲ ኣብ ዝኾኑ መፅናዕቲታት ክምስረት ይግባእ – ሚኒስቴር ትራንስፖርት

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጉንበት፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ ዓውዲ ትራንስፖርት ፀገም ፈታሕቲ ኣብ ዝኾኑ መፅናዕቲታት ክድረኽ ከምዝግባእ ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ገሊፀን።

ኣብ ፕሮግራም ምትእስሳርን ተበፃሕነትን መገዲ ገፀር ከምኡ እውን መሰረተ ልምዓት መገዲ ንምቁፅፃርን ንምግምጋምን ዘኽእል ፕሮግራም መፅናዕቲ ቀሪቡ ሰነዳት መፅናዕቲ ዘድሃበ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።

ኣብቲ መፅናዕቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝህነፁ መሰረተ ልምዓታት መገዲ ከምኡ እውን ሓለዋ መገዲ ኣመልኪቶም ዝተሰርሑ ስራሕቲ ንምቁፅፃርን ንምግምጋምን ዝተዘርገሐ ስርዓት ክንደይ ዘኣክል ውፅኢታዊ ከምዝኾነ ንምክትታል ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

“ፕሮግራም ተበፃሕነትን ምትእስሳርን መገዲ ገፀር” ብዝብል መሰረተ ልምዓት መገዲ ንምዕባይ ሓዱሽ ፕሮግራም ኣብ መሰረተ ልምዓት መገዲ ኢትዮጵያ ንምትእስሳር መገዲታት ገፀር ምስ ማእኸላት ንምትእስሳር ዘኽእል፣ ተፈሊዮም ዝርከቡ ከባቢታት ተበፃቲ ዝገብር ከምኡ እውን ኣብ ከባቢታት ሰበበኽ ሳግም ዝረአዩ መሻገሪን ፀገም ዝፈትሕን ህንፀት ድልድል ዝሓውስ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ከምዝበለኦ፥ እቶም መፅናዕቲታት ትልሚ ልምዓት 10 ዓመት ዘፈር ትራንስፖርት ንምዕዋት ከምዝሕግዙ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ዝተረኸቡ እታወታት ተወሳኺ መፍትሒ ሓሳባት ብምውሳኽ ንነዊሕ እዋን ከገልግል ብዝኽእል መልክዑ ንኽምዕብል ኣብ ሕድሕድ ዝርዝር መፅናዕቲ ኣንፈት ዝሃባ እንትኾና፥ ብቕልጡፍ ተዛዚሞም ተግባራዊ ንኽኾኑ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.