ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ገበን ግዕዝይና ውፅኦታዊ ንክኾኑ ኣሰራርሓ ምዝማን የድሊ – ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ገበን ግዕዝይና ውፅኦታዊ ንኽኾኑ ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ኣሰራርሓ ምዝማን የድሊ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም፤ “ሎሚ መዓልቲ ኣብ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ገበን ግዕዝይና ብምድሃብ ምስ መዳርግቲ ኣካላት መድረኽ ዘተ ኣካይድና” ኢሎም።
ኣብቲ እዋን ዘተ ድማ ዝተዋደደ ኣሰራርሓን ኣፈፃፅማ ስራሕን እቶም መዳርግቲ ኣካላተ እንታይ ከምዝመስል ምኽክር ከምዝተገበረ ገሊፆም።
እቶም ትካላት ብቴክኖሎጂ ዝተሓገዘ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብምዝማን፣ ኣብ ቃልሲ ፀረ-ግዕዝይና ሃገራዊ ሓበራዊ ልኡኽቶ ማእኸል ብምግባር ዝውግኑዎም ተግባራት ኣጠናኺሮም ንኽቕፅሉ ኣንፈት ከምዝተቐመጠ ኣመልኪቶም።