Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመስዋእቲ ሓይሊ ፀፅታን ቅኑዕ ምትሕብባር ህዝቢን እናተመሓየሸ ዝመፅአ ሰላምና ንደሓር ንምምላስ ዝንቀሳቐሱ ኣካላት ንምቁፅፃር ዘሳልጦ ተግባር ምኽባር ሕጊ ተጠናኺ ከምዝቕፅል ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓማውቲ ኣዲስ ኣበባ ስግኣት ፀፅታ እንተየጋጠማ ዜጋታት ብሰላም ወፂም ሰሪሖም ንኸኣትዉ መላእ ሓይሊ ፀፅታ ዝኸፈሎ መስዋእቲን ህዝቡ ዝነበሮ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ንዝተረኸበ ሰላም መሰረት ከምዝኾነ እውን ፖሊስ ገሊፁ፡፡

ሰላም ኣዲስ ኣበባን ብሰላም ወፂእኻ ምእታው ነበርታን ዘሕርቖም ውልቀሰባት ብምፍላይ ተግባር ምሕባር ሕጊ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዝሓበረ ፖሊስ÷ ሕብረሰተሰብ እውን ደቁ ካብ ምምካር ሓሊፉ ፀረ ሰላም ዝኾኑ ውልቀ ሰባት ኣቃሊዑ ንኣካላት ፀፅታ ብመሃብ መዓልታዊ ምትሕብባሩ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ኣቕሪቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.