Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መገዲ ዘተዓናቕፉ ፀገማት ንምፍታሕ ሓራዊ ግንዛበ ምሓዝ ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት መገዲ ዘተዓናቕፉ ፀገማት ንምፍታሕ ሓራዊ ግንዛበ ምሓዝ ይግባእ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣይተ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ኣባላት እቲ ባይቶ÷ ኣብ ሓፈሻዊ ከይዲ ልምዓት መሰረተ ልምዓት መገዲ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ምስ ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን እናተዛተዩ ይርከቡ፡፡

ኣብ እዋን ስራሕቲ ውክልና ህዝቢ ኣባላት እቲ ባይቶ ካብ ክልል መረፀኦም መሰረተ ልምዓት መገዲ ብዝምልከት ዝተልዓሉ ሕቶታት ኢዮም ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ሚኒስቴር እናተዛተዩ ዝርከቡ፡፡

ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ÷ ኣብታ ሃገር ሓፈሻዊ ኣብ ዓውዲ መሰረተ ልምዓት መገዲ ዘለዉ ነባራዊ ኩነታት ብምዝታይ ሓበራዊ ግንዛበ ንኽህሉ ዝተሰናደአ መድረኽ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብቲ ዓውዲ ሰፋሕቲ ስራሕቲ ከምዝተሳለጡ ምግላፆም ካብቲ ባይቶ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.