Fana: At a Speed of Life!

ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ውቁባትን ምቹዋትን ካብ ምግባር ሓሊፉ ኣታዊ ዝርከበሎም ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ውቁባትን ምቹዋትን ካብ ምግባር ሓሊፉ ተወሳኺ ኣታዊ ዝርከበሎም ከምዝኾኑ ሚኒስቴር ከተማል መሰረተ ልምዓትን ገሊፁ።

ገምጋም ኣፈፃፅማ መጀመርያ 100 መዓልቲ በጀት ዓመት 2017 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ፡፡

በዚ ድማ ኣተገባብራ ዝተማለአ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ስዒቡ ኣን ዋና ዋና ኣመላኸትቲ ማክሮ ኢኮኖሚ ዝሐሸ ኣፈፃፅማ ከምዝተመዝገበ ተሓቢሩ፡፡

ሚኒስትር ከተማል መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ኣብቲ እዋን ከምዝገለፀኦ÷ ብመንግስ ዝተወሰደ ዝተማለአ ሪፎርም መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጭቡጥ ውፅታት እናተረኸቡሉ ይርከቡ፡፡

እቲ ሪፎርም ዓውዲ ኢንዱስትሪ ኮንስትራክሽን ብምንቕቓሕ ከምኡ እውን ነቲ ዓውዲ ማሕለኻ ዝኾኑ ጉዳያ ኣብ ምፍታሕ ልዑል ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ከምዝርከብ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ከተማታት ዝተጀመረ ስራሕቲ ልምዓት ኮሪደር ከተማታት ውቁባትን ምቹዋትን ካብ ምግባር ሓሊፉ ነበርቲ ካብቲ ልምዓት ብብዙሕ መልክዑ ተረባሒ ዝኾነሉ ዕድል ከምዝተፈጠረ ኣብሪሀን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.