ስራሕቲ ህንፀት ትካላት ቀንዲ ዓውዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ኢዩ፥ ም/ቀ/ሚ ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ሚኒስትር ተፀዋዕቲ ዝኾኑ ኣፈፃሚ ኣካላት ገምጋም ኣፈፃም መደባት ቀዳማይ ርባዕ ዓመት 2017 ዓ.ም ሎሚ ምግምጋም ከምዝተጀመረ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም።
ኣብ ማዕቐፋት ህንፀት ትካላት ብዝተሰርሐ ሪፎርም ብዙሓት ሃፍቲ ሃገር ካብ ዝባኽነሉን በቢዓመቱ ኪሳራ ካብ ዝምዝገበሉን ታሪክ ምውፃእ ተኻኢሉ ከምዘዘሎ ገሊፆም።
እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኢኮኖሚ ሃገር ዝድግፍን ብቢሊየናት ዝቑፀር ገንዘብ በቢዓመቱ ትርፊ ዘእትዋ፣ ንብዙሓት ዕድል ስራሕ ዝፈጥራ፣ ንሽግግር ፈልጠትን ቴክኖሎጂን ኣስተዋፅኦ ዘበርክታ ትካላት ፈጢርና ኣና ኢሎም።
ኣብተን ትካላት ዝተጀመረ ሪፎርም ኣብ ዝሓለፉ ዓማውቲ ዝልካዕን ዝቑፀርን ውፅኢት ኣምፂኡ ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።
ስራሕቲ ህንፀት ትካላት ቀንዲ ዓውዲ ህንፀት ሃገረ መንግስቲ ከምዝኾኑ እወን ኣመላኺቶም።