Fana: At a Speed of Life!

ስሩዕ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 24 ሰነ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን 6ይ ዘበን ፓርላማ 3ይ ዓመት እዋን ስራሕ፣ 2ይ ስሩዕ ጉባኤኡ 24ን 25 ሰነ 2016 ዓ.ም ከምዘካይድ ተገሊፁ።

22 ሰነ 2016 ዓ.ም ድማ ናይ ክልቲኦም ኣቢያተ ምኽሪ ኣባላት መሰረታዊ ጉዳያት ፊሲካል ፌዴራሊዝም ጭቡጥ ኩነታት ኢትዮጵያን ብዝብል ርእሲ ስልጠና ከምዝወሃብ ተገሊፁ፡፡

ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ቅድሚ ምክያዱ÷ 23 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣርባዕተ ቀወምቲ ኮሚቴታት እቲ ቤት ምኽሪ ምስ ኣጀንዳታት እቲ ጉባኤ ተተሓሓዝነት ኣብ ዘዘለዎም ርእሰ ጉዳያት ብምዝታይ ናብቲ ቤት ምኽሪ ውሳነ ሓሳባት ሒዞም ከምዝቐርቡ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ስሩዕ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ÷ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ክህብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ እውን ተመልኪቱ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.