Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕ ሰላም ንኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ዝሃበ ኢዩ- ምሁራት

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)እቲ ስምምዕ ሰላም ንኢትዮጵያ ዲፕሎማሲያዊ ዓወት ከምዝሃባ ምሁራት ሕግን ፖለቲካዊ ሳይንስን ገሊጾም።

ውሽጣዊ ዘይምርድዳእ ንግዳማዊ ተቓላዕነት ከምዘሳጥሕ ዘመላኸቱ እቶም ምሁራት፡ እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ካብ ተቓላዕነት ከም ዝንኪ ገሊፆም።

ተንታኒ ፖለቲካ ኣይተ ንጋቱ ኣበበ፡- ኢትዮጵያ ንፀገማት ኣፍሪቃ ብኣፍሪቃውያን ንምፍታሕ ዘርኣየቶ ቅዋምን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣፍሪቃ ምፍታሓ ኣብ ኣህጉራውን ዞባውን ተቐባልነታ ከም ዝውስኽ ገሊጾም። ክኢላ ሕጊ ዝኾኑ ኣይተ ኣንዱኣለም በእውቀቱ ብግደኦም፡ እቲ ስምምዕ ብመንጽር ዲፕሎማሲ ኣገባብ ዝምድና ወጻኢ ሃገራት ዘመዓራሪ ምዃኑ ገሊፆም።

ብተወሳኺ ነቲ ስምምዕ ስዒቡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ዘሎ ርክባት ወፃኢ ብመንግስቲ ፌዴራል ጥራሕ ክፍፀም ከምዘለዎ  እዚ ድማ ጣልቃ ኣታውነት ደው ዘብል ምዃኑን ኣብሪሆም። ከም ኣገላልፃ እቶም ምሁራን ሕግን ፖለቲካን፡- እቲ ስምምዕ ንሽርሒ ጣልቃ ኣታውነት ባዕዳውያን ዝስዕር እዩ ኢሎም።

ረብሓታት እቲ ስምምዕ ሰላም ንምጥቃምን ንትግባረኡ ምስራሕ ድማ ከምዘድሊን ኣስሚሮምሉ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.