Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ፕሪቶርያ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ተግባራዊ ምላሽ ይደሊ – ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ፕሪቶርያ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ጉዳይ ተግባራዊ ምላሽ ይደሊ ክብል ግልጋሎት ኮሙኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

እቲ ግልጋሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ሕወሓት ኣብዚ ሰሙን ዘውፀኦ መግለፂ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ንኽኽበር ምሕታቱ መንግስቲ ፌዴራል ብዕምቆት ከምዝተመልከቶ ገሊፁ፡፡

“ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ፀገም ብዘላቕነት ንምፍታሕ ቀንዲ መፍትሒ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ምግባር ምዃኑ መንግስቲ ፌዴሪኢ ብፅኑዕ የኣምን” ዝበለ እቲ መግለፂ÷ በዚ ድማ መንግስቲ ፌዴራል ካብ መበገሲኡ ጀሚሩ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ቅዋም ሓደን ዘይልወጥን ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

“መንግስቲ ፌዴራላዊ ዴሞክራሲያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ካብ ቅዋም ሓሊፉ ተግባራዊ ምንቅስቓስ እውን ገይሩ ኢዩ፤ እናገበረ እውን ይርከብ ኢሉ፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም፣ ፖለቲካዊ መፍትሒን ምትሕብባርን ዘለዎ ቅዋም ዝገለፀ ቅድሚ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ጀሚሩ ከምዝኾነ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ሰራዊት ምክልኻል ናብ ከተማ መቐለ ከይኣቱ ዝተገበረ ንሰላም ዕድል ንመሃብ ከምዝኾነ ኣብሪሁ፡፡

ድሕሪ እቲ ስምምዕነት ድማ ብኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተነርሐ ኣመራርሓ ዝተፈላለያ ትካላት ዝርከቡሉ ጉጅለ ናብ ትግራይ ዝለኣኸ መንግስቲ ፌዴራል ኢዩ ኢሉ፡፡

ትካላት መንግስቲ ፌዴራልን ክልላትን ንህዝቢ ትግራይ ሓገዞም ዘርአዩ ሽዑ ንሽዑ ከምዝኾነን ርሳነ ምምሕዳር ክልላት ኣብ ከተማ መቐለ ብምርካብ ንህዝቢ ዘለዎም ምሕዝነት ብምርኣይ ዘከኣሎም ሓገዝ ብዓይነትን ገንዘብን ከምዝገበሩ ገሊፁ፡፡

ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶርያ ገዛኢ ፓርቲ ክህልዎ ዝግባእ ብፅሒት ብምሕዳግ ሕወሓትን ኣመራርሓታት እቲ ጉጅለ ዕጡቕን ጊዜያዊ መንግስቲ ንኸጣይሹ ከምዝገበረ እውን ኣብሪሁ፡፡

“ምኽንያቱ ድማ ካብ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተውፃእፂኦም ኣብቲ ግዚያዊ ምምሕዳር ዝካተቱ ኣመራርሓታት ክሳብ ዝፋለጡን ክሳብ ዝረዳድኡን እዋን ፀገም ህዝቢ ትግራይ ከይናዋሕ ብምሕሳብ ኢዩ” ኢሉ፡፡

በዚ ድማ ንሰላም ህዝቢ ትግራይ ዘለዎ ቆራፅነት ልዕሊ ስምምዕነት ፕሪቶርያ ብምኻድ ከምዘረጋገፀ ኣብሪሁ፡፡

እቲ ግልጋሎት ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ÷ ድሕሪ ስምምዕነት ፕሪቶርያ መንግስቲ ፌዴራል ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ብምትሕብባር ንክልል ትግራይ ልዕሊ 37 ቢሊየን ብር ሓገዝ ከምዝገበረ ገሊፁ፡፡

በቲ ዝተመደበ በጀትን ሓገዝን ትልሚ እቲ ክልል ተግባራዊ ተገይሩ ንህዝቢ ጭቡጥ ለውጢ ከምፅእ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ከምዘለዎ እውን ሓቢሩ፡፡

ተፈናቐልቲ ናብ ስሩዕ መንበሪኦም ንምምላስ መንግስቲ ፌዴራል ዝምልከቶም ኣካላት ኣዋዲዱ ስራሕ ከምዝጀመረ እውን ኣብሪሁ፡፡

ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ትኽክለኛ ተመዛበልቲ ናብ መረበቶም ክምለሱ ከምዝተገበረ ኢዩ እቲ መግለፂ ኣፍሊጡ ዘሎ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ኩነታ ኣከራኸርቲ ቦታታት ብዘላቕነት ንምፍታሕ÷ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ህዝበ ውሳነ ንኽግበር እቲ ጉዳይ ብዋናነት ምስ ዝምልከቶም ክልላት ኣምሓራን ትግራይን ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ ከምዝነበረ ገሊፁ።

ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ብወገን ሕወሓት እናተዋግኡ ዝነበሩ ዕጡቓት ናብ ሰላማዊ ናብረኦም ክምለሱ ኣለዎም ዝበለ እቲ መግለፂ÷ ነዚ ዝሕግዝ መንግስቲ  ፌዴራል ኮሚሽን ተሃድሶ ብምጥያሽ ትፅቢት ዝግበረሉ ሓይሊ ሰብን በጀትን ከምዝመደበ ኣፍሊጡ፡፡

ምስ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተተሓሒዙ ገበናት ብዝምልከት መንግስቲ ፌዴራል ግቡእ ስጉምቲ ከምዝተወሰደን ተሓተትቲ ክኾኑ ዝግበኦም ተሓተትቲ ከምዝገበረን እውን ኣብሪሁ፡፡

ካልኦት ስራሕቲ ንምውጋን ድማ ምድላው ረቂቕ ኣዋጅ ፖሊሲ ስግግር ፍትሒ ኣሰናዲኡ ከምዝዛዘመ ብምሕባር÷ እዚ ከይዲ ንምዕዋት ከም ካልኦት ክልላት ክልል ትግራይ እውን ግቡእ ግደ ንኽፃወት ትፅቢት ይግበረሉ፡፡

መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም፣ ልምዓትን ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይ እንትበሃል እዞም ተግባራት ካብ ዝግበኦ ንላዕሊ ተጓዒዙ ከምዝግበኦ ዝሓበረ እቲ መግለፂ÷ ንህዝቢ እቲ ክልል ክግበሩ ዝግበኦም ሓገዛት ብናይ ባዕሉ ዓቕሚ ይኹን ምስ መሓዙት ኣካላት ብምትሕብባር ንምስራሕ ኩሉ ግዘ ድሉው ከምዝኾነ ኣፍሊየጡ፡፡

“ሕዚ እውን እንተኾነ ንሰላም፣ ልምዓት ድሕንነትን ህዝቢ ትግራይን መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያን እንትበሃል ስምምዕነት ፕሪቶርያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ምግባር፤ ትልሚታት እቲ ክልል ናብ መሬት ኣብ ዘውርዱ፤ ፀገማት ህዝቢ እቲ ክልል ብጭቡጥ ንምፍታሕ ኣብ ዘኽእሉ ተግባራዊ ነገራት ምድሃብ ኣማራፂ ዘይብሉ ጉዳይ ኢዩ ኢሉ መንግስቲ ፌዴራል የኣምን” ክብል እቲ መግለፁ ኣብሪሁ፡፡

እዞም ነገራት ተግባራዊ ተገይሮም ህዝቢ ትግራይ፣ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰላም፣ ልምዓትን ድሕንነትን ንኽረጋገፅ መንግስቲ ፌዴራል ዘለዎ ቆራፅ ቅዋም ደጊሙ ከምዘረጋግፅ ኣፍሊጡ፡፡

ዝምልከቶም መዳርግቲ ኣካላት እውን ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንኽፍፀም ሙሉእ ሓገዞም ንኽገብሩ ፀዊዑ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.