Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኸወን መንግስቲ ፃዕሪ ይገበር ኣሎ-ኣምባሳደር ምስጋኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክኸወን መንግስቲ ፃዕሪ ይገበር ኣሎ ክብሉ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣረጋ ገሊፆም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብ ፓርላማ ጀርመን ሓላፊት ኮሚቴ ውድብ ሕቡራት መንግስታት፣ ዓለም ለኸ ትካልን ምክልኻል ጎንፂ ሕድሕድን ሞኒካ ግራተርስ ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ ኢትዮጵያን ጀርመንን ነዊሕ እዋናት ዘቑፀረ ክልቲኣዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ተዛሪቦም።

እተን ሃገራት ኣብ ጉዳያት ኢኮኖሚን ፖለቲካን ብሓባር ይሰርሓ ከምዘለዋ ገሊፆም።

እቲ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዝግባእ እውን ተዛሪቦም።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዝነበረ ጎንፂ ደው ንምባል ዝተገበረ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ሙሉእ ንሙሉእ ተግበራዊ ንክኸውን መንግስቲ ፃዕሪ ይገብር ኣሎ ኢሎም።

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ መስ መዳርግቲ ኣካላት ብምትሕብባር ኣብዚ ቀጠና ሰላምን ምርግጋዕን ንክህሉ ትሰርሕ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ሚስ ሞኒካ ግራተርስ ብግደአን፥ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንምባል ከምዝግባእ ገሊፀን።

ኣብ ክሊ ምትሕብባር ክልቲአን ሃገራት ዘጋጥሙ ፀገማት ብሓባር ምፍታሕ ከምዝግባእ ምግላፀን ኣብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.