ስምምዕነት ኣንካራ ጉዕዞ ምዕባለና ክብ ክብል ገይሩዎ ኢዩ-ኣይተ ኦርዲን በድሪ
ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ስምምዕነት ኣንካራ ጉዕዞ ምዕባለና ክብ ክብል ገይሩዎ ኢዩ ክብሉ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኣይተ ኦርዲን በድሪ ገሊፆም።
ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት ኣንካራ ስዒቡ ኣብ ክልል ሃረሪ ምስ ኣመራርሓ መድረኽ ዘተ ተሳሊጡ።
እቶም ርእሰ ምምሕዳር፥ እቲ ስምምዕነት ንሃገርና ናብ ዘላቒ ሰላም ዝወስድ ኢሉውን ሕውነት ዘጎልብት ኢዩ ኢሎም።
እቲ ስምምዕነት ልምዓት ኢትዮጵያን ምዕባለን ዘይደሊዩ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ሃገርና ናብ ዓውደ ኲናት ንምቕያር እንትንቀሳቐሱ ዝነበሩ ታሪካዊ ፀላእትና ርእሶም ንክደፍኡ ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።