Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ኢትዮጵያን ሶማሊላንድን ብሓባር ናይ ምልማዕ ዞባዊ ፖሊሲ ዘፅንዕ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊላንድ ዝተፈራረመቶ ሰነድ ስምምዕነት ብሄራዊ ጥቕማ ዝሕሉን ኣብቲ ዞባ ትኽተሎ ብሓባር ናይ ምልማዕ ፖሊሲ ዘፅንዕ ከምዝኾነ ሚኒስትራት ገሊፆም።

ኩሉ ኢትዮጵያዊ ጉዳይ ምርካብ ኣፍ ደገ ባሕሪ ጉዳይ ህልውናን ልኣላዊነትን ምዃኑ ተረዲኡ ንተግባራዊነቱ ብሓድነት ጠጠው ክብል ከምዘለዎ እቶም ሚኒስትራት ተዛሪቦም።

ሚኒስትር ግብርና ዶክተር ግርማ ኣመንቴ÷ ኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገራት ፖሊሲ ሓቢርካ ምልማዕን ምርግጋፅ ሓባራዊ ልምዓትን ተግባራዊ እናገበረት ምዃና ገሊፆም።

ምስ ሶማሌላንድ ዝተፈረመ መረዳድኢ ስምምዕ እውን እናዓበየ ዘሎን ንጎረቤት ዝተርፍን ኢኮኖሚኣ ኣብ ግምት ዘእተወ መማረፂ ወደብን ኣፍ ደገ ባሕርን ንክትረክብ ዘኽእላ ምዃኑ ገሊፆም።

ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪካ ብባህሊ፣ ህዝቢ፣ መልክኣ ምድሪን ታሪኽን ዝተኣሳሰራ ምዃነን ብምግላፅ ኢትዮጵያ ዞባዊ ውህደት ንምምፃእ ዝሓዘቶ ቅዋም እቲ ኣፍ ደገ ባሕሪ ልዑል እጃም ከምዝፃወት ሓቢሮም።

ሚኒስትር ማይን ኢነርጅን ዶክተር ኢንጅነር ሃብታሙ ኢተፋ (ዶ/ር፣ ኢ/ር) ብግደኦም÷ “ኢትዮጵያ በብዝተፈላለዩ ምኽንያታት ኣፍ ደገ ባሕሪ ብምስኣና ንብዙሕ ፀገም ተቓሊዓ ፀኒሓ ኢያ” ኢሎም።

ኣፍ ደገ ባሕሪ ብምስኣና ኣብ ሕድ ሕድ ዜጋ ዝዓርፍ ኢኮኖሚያዊን ጂኦፖለቲካዊን ፅዕንቶ ከምዘሕደረላ ገሊፆም።

ዓቕሚ ምድርዳር ኢትዮጵያ ዘዕብን ንቀፃሊ ወለዶ ዘኹርዕን ታሪኻዊ ስምምዕ ምዃኑ ምግላፆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.