Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ምፍራሙ ሃገራዊ ጉዕዞና ብዓወት እናደመቐ ምዃዱ ዘርኢ ኢዩ – ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)በሪ ባሕሪ ንምርካብ ዘኽእል ሰነድ ስምምዕነት ምስ ሶማሊ ላንድ ምፍራሙ ሃገራዊ ጉዕዞና ብዓወት እናደመቐ ምዃዱ ዘርኢ ኢዩ ክብሉ ኣፈ-ጉባኤ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)ንፕሬዚዳንት ሶማሊ ላንድ ሙሴ ቢሂ ኣብዲን ታሪኻዊ ዝተባህለ ሰነድ ስምምዕነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምፍርራሞም ስዒቡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

እቲ ስምምዕነት ተረባሕነትን ልምዓትን ህዝቢታት ብዝበለፀ ብምርግጋፅ ዝተጀመረ ጉዕዞ ምዕባለ ጋህዲ ዝገብር ዓብዪ መርአዪ ኢዩ ምባሎም ሓበሬታ እቲ ባይቶ የመላኽት፡፡

“ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ብሓደ ወገን ናይ ደገን ወፃኢን ፈተናታት አናተጋፈጠት ብኻሊእ መዳይ ድማ ንቐፃሊ ወለዶ ስንቂ ክኸውን ዝኽእል ተስፋ ዝህብ ማሕበራዊ ኢኮኖሚያዊ ልምዓት ሃፍቲ እናመዝገበት ትርከብ ኢሎም” ኣብ መልእኽቶም።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.