Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብተሞክሮ ክቐርብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ቀፃሊ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብተሞክሮ ከምዝቐርብ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ ገሊፆም።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኣድሂቦም ምስ ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ተዛቲዮም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ዘተኦም÷ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ከተማ ፕሪቶሪያ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓት ዝተፈረመ ስምምዕነት ሰላም እታ ኣህጉር ናይ ባዕላ ፀገም ባዕላ ንምፍታሕ ዝሓዘቶ መምርሒ ውፅኢት እናመዝገበ ምዃኑ ዋና ኣብነት ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ስዒቡ ኩነታት እናተመሓየሹ ከምዝርከቡ እውን ኣብሪሆም፡፡

ጎንፂ ተወሊዑዎም ኣብ ዝነበሩ ሰሜናዊ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ መጠን ተበፃሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ብልዑል ብርኪ እናወሰኸ ከምዝኾነ ምግላፆም እውን ካብ ቤት ፅሕፈት ኣቐባሊ ቃል ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ብምኽንያት እቲ ጎንፂ ተቛሪፆም ዝነበሩ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ዳግም እናጀመሩ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

መንግስቲ ንተግባራውነት እቲ ስምምዕነት ሙሉእ ቆራፅነት ወሲዱ እናተንቀሳቐሰ ከምዝኾነ ኣይተ ደመቀ ተዛሪቦም፡፡

ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዲዎዬ ብግደኦም÷ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንካልኦት ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካ ፅቡቕ ኣብነት ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ቀፃሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ብተሞክሮ ከምዝቐርብ እውን ሓሮም፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ፈለምኡ ንሕብረት ኣፍሪካ ዘለዎ ፅኑዕ ቅዋም ልዑል ናእዳ ክወሃቦ ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.