Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንኣዴታት ትግራይን ኣዴታት ኢትዮጵያን እፎይታ ክህብ ከምዝኸኣለ ቀ/ሚኒስትር ኣቢይ (ዶ/ር) ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሕዳር ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ብውሑዱ ንኣዴታት ትግራይን ኣዴታት ኢትዮጵያን እፎይታ ክህብ ከምዝኸኣለን ተወሰኽቲ ሰባት ከይሞቱ ከምዝገበረን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር አዚ ዝበሉ÷ ከይዲ ኣፈፃፅማ ውዕሊ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣመልኪቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝቐረበሎም ሕቶ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ኢዩ።

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብመሰረት ዝተገበረ ስምምዕ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት ከም ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ግልጋሎት ቴሌኮም፣ ትራንስፖርትን ባንኪን ሓዊሱ ብስፍሓት ስራሕ ክጅምሩ ከምዝተገበረ ኣብሪሆም፡፡

መንግስቲ እቲ ከልል ተጣይሹ፣ በጀት ተፈቒዱ፣ ዝነዓዉ ትካላት ኣብ ምህናፅ ሰፊሕ ርብርብ ከምዝተገበረን ብጣዕሚ ብዙሓት ነገራት መስመር ክሕዙ ከምዝኸኣሉን እውን ገሊፆም፡፡

“ዝተረፉ ስራሕቲ ኣለዉ እቶም ዝተረፉ ስራሕቲ ብወገን መንግስቲ ትግራይ፣ ብወገን ፌዴራል መንግስቲን መንግስቲ ክልል ኣምሓራን ብምትሕብባርን ሰላም ብምቅዳምን፣ ብምትሕብባርን ፈተና ፀላእና ሓቢርና ንነብር ከምዝኾንና ኣሚንና ብምቕባል ብልዝብ እናተፈትሑ ክኸዱ ኢዮም” ኢሎም።

ዝተረፈ ስራሕ ስለዘሎ እንተዘይተዋጋእና፤ ዝተረፈ ስራሕ ስለዘሎ ናብ ዝነበርናዮ እንተዘይተመለስና ምባል ግን ጥፍኣት ኢዩ ዘምፅእ” ክብሉ ኣገንዚቦም፡፡

“ኣብ ዝኸፍአ ነገር ስለዝነበርና ሕዚ ብዝተወሰነ መልክዑ እናፈታሕና ናብ ዝሐሸ ኩነታት እናኣተና ንርከብ” ኢሎም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.