Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንኢትዮጵያ ዘኹረዐ ኣፍሪካዊ ዓወት ኢዩ- ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ እቲ ስምምዕነት ሰላም ንኢትዮጵያ ዘኹረዐ ኣፍሪካዊ ዓወት ከምዝኾነ ምክትል ቀዳማይ ሚኒትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ተዛሪቦም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ኣብ እዋናዊ ጉዳይ ኣመልኪቶም ንሰራሕተኛታት እቲ ሚኒስቴር ቤት ዕዮ ገለፃ ዝገበሩ እንትኾኑ÷ ካብቶም ሰራሕተኛታት ንዝተልዓሉ ሕቶታት እውን ምላሽን መብርሂን ሂቦም።

መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ሰላም ንኽትምለስ ፅዕ ድሌት እናርኤ ምፅንሑ ዝሓበሩ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ፕሪቶሪያ ዝተበፅሐ እቲ ስምምዕነት ሰላም ቆራፅን ሰላም መንግስቲ ዘረጋገፀን ንህዝቢ ዘለዎ ሓቀኛ ወገናዊነትን ዝገልፅ ከምዝኾነ ሓቢሮም።

እቲ ስምምዕነት ኢትዮጵያ ኩሉ ግዘ ብተንፀባርቖ ንኣፍሪካዊ ፀገም ኣፍሪካዊ መፍትሒ መሰረት ምግባሩ ንኢትዮጵያ ዘኹረዐ ንህዝቢ ዘላቒ ሰላም ዘምፅ ኣፍሪካዊ ዓወት ከምዝኾነ እውን ኣብሪሆም።

ዝተረኸበ ውፅኢት ንርክብ ወፃኢን ስራሕቲ ዲፕሎማሲን ሓጋዚ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እንትኾኑ÷ ሰራሕተኛታታት እቲ ሚኒስቴር ነዚ ተገንዚቦም ብሓላፍነትን ብብቕዓትን ንኽሰርሑ ፀዊዖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.