Fana: At a Speed of Life!

ስምምዕት ፕሪቶሪያ ጎንፂ ብሰለማዊ መገዲ ኣብ ምፍታሕ ለውጢ ባህሊ ዘምፃእናሉ ኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘሳልጦ ዘሎ መበል 36 ስሩዕ ኣኼባ ብምርካብ ካብ ኣባላት እቲ ባይቶ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ጠመተ ብምግባር ንዝቐረቡ ሕቶታት መብርሂን ምላሽን ሂቦም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣፈፃፅማ ውዕሊ ፕሪቶሪያ ጠሚቱ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝተልዓለሎም ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ስምምዕት ፕሪቶሪያ ጎንፂ ብሰለማዊ መገዲ ኣብ ምፍታሕ ለውጢ ባህሊ ዘምፃእናሉ ኢዩ ኢሎም።

ኲናት ደው ብምባል ኣገልግሎት ብምጅማር ልዑል ዓወት ዝተመዝገበሉ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ባንክታት፣ መገዲ ኣየር፣ ቴሌኮም ሓዊሱ ብዙሓት ኣገልግሎታት ናብ ስራሕ ምእታው ከምዝተኽኣለ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ብኲናት ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ከምዝተጀመረ ገሊፆም።

እቲ ጅማሮ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.