Fana: At a Speed of Life!

ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ኣባላት ሸኔ ናብ ሕብረተሰብ ተፀምቢሮም ብሰላም ከምዝነብሩ ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣባላት ግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝነበሩን ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ መናእሰይ ናብ ሕብረተሰብ ብምፅምባር ብሰላም ንምንባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሰልጠንቲ ክሳብ ሕዚ ንዝፈፀሙዎ ተግባር ንማሕበረሰብ ይቅርታ ዝሓቱሉን ቃል ዝኣትዉሉን መርሃ ግብሪ አባገዳታትን ዓበይቲ ዓዲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ተኻይዱ፡፡

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ኣባላት ሸኔ ዝነበሩ መናእሰይ ናብ ሕብረተሰብ ተፀምቢሮም ብሰላም ንምንባር ቃል ምእታዎም ኦቢኤን ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ ስልጠና ተሃድሶ ናብ ማሕበረሰብ ብምምላስ ዝቐደመ ህይወቶም ብሰላም ንምንባር ዘኽእል ምድላው ስነ ልቦናን ካልኦት ልምዲታትን ከምዝረኸቡ እቶም ኣባላት ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.