Fana: At a Speed of Life!

ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ስነ-ስርዓት ምረቓ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ዘቕረቦ ፃውዒት ሰላም ብምቕባል ስልጠና ተሃድሶ ዝወሰዱ ነበር ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ኣምሓራ ስነ-ስርዓት ምረቓ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኣብቲ ስነ ስርዓት ምረቓ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደ፣ ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበረ ጉዳያት ሰናይ ምምሕዳርን ሓላፊ ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ኣይተ ደሳለኝ ጣሰው፣ ዋና ኣዛዚ እዚ ምብራቕ ሌ/ጄ መሃመድ ተሰማ፣ ዋና ኣዛዚ እዚ ሰሜን ምዕራብ ሌ/ጄ ብርሃኑ በቀለን ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ደስየ ደጀንን ተረኺቦም።

ኮሚሽነር ደስየ ደጀን÷ “ልምዓትን ምዕባለን ሓንቲ ሃገር ንምርግጋፅ ኣድላይነት ምህላው ዘተኣማምን ኩነታት ሰላምን ሓይሊ ፀፅታን ዘጠራጥር ኣይኮነን” ኢሎም።

ሓይሊ ፀፅታ ንዝተውሃቦ ልኡኽቶን ሓላፍነትን ከምኡ እውን ህዝቢ ንምግልጋል ክሳብ ህይወት መስዋእትነት ምኽፋል ትፅቢት ይግበረሉ፤ ነዚ ድማ ድሉው ምዃን ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

እቲ ስልጠና ንኽዕወት ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ምስጋና ምቕራቦም ሓበሬታ እቲ ኮሚሽን የመላኽት፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.