ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ልቓሕን ውሕስናን ተፈቒዱሉ
ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳፋሪኮም ኣብ ኢትዮጵያ ንዝገብሮ ዘሎ ዝርገሐን ህንፀትን መስመር ቴሌኮሙኒኬሽንን ንምድጋፍ ዝውዕል ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብን ኤጀንሲ ውሕስነት ኩለ መዳይ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ልቓሕን ውሕስናን ከምዝፈቐድሉ ኣፍሊጦም።
ብመሰረት እዚ ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ 157 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዶላር ንምቕራብ(equity investment) ምስ ሳፋሪኮም ዝሰርሕ እንትኸውን፥ 100 ሚሊየን ዶላር ድማ ብመልክዕ ልቓሕ ክመቻቻ ኢዩ ተባሂሉ።
ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዓለም ለኸ ኮርፖሬሽን ገንዘብ ኣብ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ናይ መሪሕነት ቦታ ከምዘይሕዝ ተገሊፁ።
ኤጀንሲ ውሕስነት ኩለ መዳይ ኣማራፅታት ኢንቨስትመንት ዝተብሃለ ኣባል ዓለም ለኸ ባንኪ ዓለም ድማ፥ መሻርኽቲ ሳፋሪኮም ኢትዮጵያ ንዝኾኑ ቮዳፎን ግሩፕ፣ ቮዳኮም ፣ ሳፋሪኮምን ብሪቲሽን ናይ 10 ዓመት ውሕስና 1 ቢሊየን ዶላር ክህብ ኢዩ ተባሂሉ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።