Fana: At a Speed of Life!

ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ- በለጠ ሞላ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ ክብሉ ሚኒስትር ኢኖቬሽንን  ቴክኖሎጂን በለጠ ሞላ (ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር፥ ተግባር እቶም ሚኒስቴር ከምኡ ውን ትሕዝቶ፣ ፖሊሲታት፣ ኣብ ዲጂታል ኢትዮጵያ 2025 ስትራቴጂ ጠመተታትን ናይቲ ትካል ወፍሪታትን ዝጠመተ ንሓለፍቲ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ፣ ኣምባሳደራት፣ ቆንስላ ጄነራላትን ኣብ ዝተሰናደአ መድረኽ ዘተ መብርሂ ሂቦም።

ፖሊሲ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽንን ብምትግባር ካብ ዲፕሎማታትና እንታይ እንታይ ጉዳያት ትፅቢት ከምዝግበሩ ኣረዲኦም።

ልኡኽ እቲ ፖሊሲ ምስ ምፍጣር ዕድል ስራሕን ሃገራዊ ፍሪያትን ዘለዎ ብፅሒት ክብ ምባል ኢዩ ኢሎም።

ምትሕብባርን ዝምድናን እቲ ትካል ብምጥንኻር ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ሽርክናን ተረባሕነትን ምዕባይ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ብድምር ሳይንስ፣ ቴክኖሎጂን ኢኖቬሽን ዝመርሖ ልምዓት ምርግጋፅ ጉዳይ ህልውና ሃገር ኢዩ ምባሎም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.