Fana: At a Speed of Life!

ሲዲሲ ክታበት በዲዶ ህበይ ንመሃብ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ (ሲዲሲ) ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልቲታት ክታበት በዲዶ ህበይ ንመሃብ እናሰርሐ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ማእኸል፥ ኣብታ ኣህጉር ሕማም በዲዶ ህበይ ዝተስፋሕፈሐለን ሃገራት ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክን ኮንጎን ሓዊሱ ኣብ ካልኦት ሃገራት ክታበት ክወሃብ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡

ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብ ቀረባ እዋን÷ በዲዶ ህበይ ስግኣት ጥዕና ዓለም ኢዩ ክብል ምእዋጁ ይይከር፡፡

በዚ ድማ ማእኸል ምክልኻልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ፥ እቲ ክታበት ኣብ ቀረባ እዋን ንመሃብ ብግቡእ ንምቕማጥን ንምጥቃምን ከምዝተሰናደአ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኣፍሪካ 19 ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ብሕማም በዲዶ ህበይ ዝተጠቕዑ እንትኾኑ፥ ካብ ሞንጎ እዚኣቶም ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ኣብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ከምዝርከቡ ኣፍሪካ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

እቲ ሕማም ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዝመሓላለፍ ብንኽክእ ከምዝኾነ ሓበሬታ ውድብ ጥዕና ዓለም የመላኽት፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.