Fana: At a Speed of Life!

ሱፍሌ ማልት ኢንቨስትመንቱ ኣብ ኢትዮጵያ ንከስፍሕ ዘኽእል ኣድላዪ ደገፍ ከምዝግበር ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱፍሌ ማልት ኢንቨስትመንቱ ኣብ ኢትዮጵያ ንከስፍሕ ዘኽእል ኣድላዪ ደገፍ ከምዝግበር ኮርፖሬሽን ፓርክታት ልምዓት ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ፍስሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ምስ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሱፍሌ ማልት ኢትዮጵያ ቶማስ ኔቪው ዘቲዮም።

ኣብቲ ዘተ፥ እቲ ኩባኒያ ብዛዕባ ዘለዎ እዋናዊ ከይዲ ፍሪያት፣ ተተካኢ ፍሪያት ብዛዕባ ክብ ምባልን ሰደድ ንግዲን፣ ምስፋሕ ቀፃሊ ኢንቨስትመንቱ ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር )፥ ኣብ ፓርክ ኢንዱስትሪ ቦሌ ለሚ ዝርከብ ኩባኒያ  ሱፍሌ ማልት ኢንቨስትመንቱ ኣብ ኢትዮጵያ ንከስፍሕ ዘኽእል ኣድላዪ ደገፍ ከምዝግበር ገሊፆም።

እቲ ኩባኒያ ንቢራ ዝኸውን ቡቕሊ ስገም ኣብ ሓፂር እዋን ሙሉእ ንሙሉእ ብፍሪያት ውሽጢ ዓዲ ንምትካእ ንዝገበረቶ ፃዕሪ ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.