Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቅዋም ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ዓረብ ዘውፀኦ ውሳነ ሓሳብ ነፂጋቶ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ግድብ ህዳሰ ብዝምልከት ቅዋም ግብፂ ብምድጋፍ ሊግ ሃገራት ዓረብ ዘውፀኦ ውሳነ ሓሳብ ከምዝነፀገቶ ተገሊፁ።

መንግስቲ ግብፂ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተኻየደ መበል 153 ኣኼባ ሚኒስትራት ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ድርድር እተን ኣባል ሃገራት ኣብ ጎድኒ ሱዳንን ግብፂን ንኸኾና ዝሓትት ውሳነ ሓሳብ ኣቕሪቡ ኢዩ።

እተን ኣባል ሃገራት እቲ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ዝደገፋ እንትኾና ሱዳን ግን ነቲ ቅዋም ከምዝነፀገቶ ተገሊፁ።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ሽማ ክለዓል ከምዘይትደሊ ብዕሊ ዘፍለጠት ሱዳን፥ እቲ ውሳነ ሓሳብ ብሄራዊ ረብሓኣ ዝጎድ ከምዝኾነ እውን ገሊፃ።

ሊግ ሃገራት ዓረብ ኣብ ክሊ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘይምርድዳእ ኢደን ከእትዋ ከምዘይግባእ እውን ሱዳን ገሊፃ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.