Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዘሎ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ድሕንነቱን ስርዓቱን ተሓሊዩ ንክወፅእ ንክትገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሱዳን ኣብ ዳርፉር ዘሎ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ድሕንነቱን ስርዓቱን ተሓሊዩ ንክወፅእ ንክትገብር ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ኣተሓሳሲቡ።

ውድብ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ብሓባር ኣብ ሱዳን ዳርፉር ዘዋፈርዎ ዓቃቢ ሰላም ተልእኾ ምዝዛሙ ዕላዊ ምዃኑ ትዝከር።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ መሀመትን ዋና ፀሓፊ ውሕመ አንቶኒዮ ጉቴሬዝ ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ እቲ ሓይሊ ዓቃቢ ሰላም ኣብ ዝቕፅሉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ድሕንነቱን ስርዓቱን ተሓሊዩ ንክወፅእ ኣካላት ሱዳን ሓላፍነቶም ነክዋፅኡ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሰላም ንምቕፃልን ሰላማዊ ዜጋታት ንምሕላውን ዝተዳለወ ብሄራዊ ትልሚ ተግባር ንምፍፃም ኣድላዪ ደገፍ ንምግባር ድሉዋት ከምዝኾኑ ምግላፆም ፒፕልስ ዴይሊ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.