Fana: At a Speed of Life!

ሱዳን ምስ ህዳሰ ግድብ ብምዝማድ ዘለዉ ኣፈላላያት ሕብረት ኣፍሪካ መፍትሒ ንክህብ እምነታ ከምዝኾነ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱዳን ምስ ዓብዪ ህዳሰ ግድብ ኢትዮጵያ ብምዝማድ ዘለዉ ኣፈላላያት ብኣደራዳሪነት ሕብረት ኣፍሪካ ክፍታሕ ይኽእል ኢዩ ዝብል ፅኑዕ እምነት ከምዘለዋ ገሊፃ።

እቲ ድርድር ውፅኢታውን ቅልጡፍን መፍትሒ ከምዝኸውን እምነታ ከመዝኾነ እያ ኣፍሊጣ።

ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ ብዝብል መሪሕ ቃል ሰለስቲኣዊ ድርድር ንክቕፅል ባህጊ ከምዘለዋ እውን ሓቢራ።

ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ሱዳን ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፥ ወሳኒን ሓዱሽን ኣሰራርሓ ዝመፅኣሉ ሕብረት ኣፍሪካ ከምዝንእድ መግላፁ ኣር ቲ ኣረቢያ ንሱና ብምርቋሕ ፀብፂቡ።

ቅዋማ ንምርዳእ ድማ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ እታ ሃገር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ናብ ዴሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎ ፣ ኬንያ ፣ ሩዋንዳን  ኡጋንዳን ከምእትልእኽ ገሊፃ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.