Fana: At a Speed of Life!

ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራህ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራህ ኣብ ኢትዮጵያ ዘላቒ ልምዓት ንምርግጋፅ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ብሓባር ምድጋፍ ይግባእ ኢሎም።

ወዲ ሱልጣን ኣሊሚራህ ዝኾኑ መበል 15 ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራህ ዓፋር፥ ኣብ ወፃኢ ዓዲ ድሕሪ ዝነበሮም ፃንሒት ሎሚ መዓልቲ ናብ ኢትዮጵያ ተመሊሶም።

ሱልጣን ኣሕመድ ኣሊሚራህ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ኣብ ሸትኡ ንምብፃሕ ሰላም ምርግጋፅ ይግባእ ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ሓድነቶም ብምጥንኻር ንሰላም ዘብዒ ነክኾኑን ዝተጀመሩ ስራሕቲ ልምዓት ነክድግፉን ሓቲቶም።

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ልምዓት ኣዝርእቲ ዝመፀ እወንታዊ ለውጢ ሓዊሱ ብለውጢ መንግስቲ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ብዙሕ ምምሕያሻት ከምዘሎ ሓቢሮም።

እዚ ተጠናኺሩ ንክቕፅል ብምትሕብባር ምስራሕ ይግባእ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ዝገብርዎ ዘለዉ ስራሕ ከምዝድግፉ እውን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ዘለዋ ቁፅሪ ሰብን እተመዝግቦ ዘላ ምዕባለን በሪ ባሕሪ ናይ ምጥቃም ሕቶኣ ግቡእ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እቲ ሕቶ ብሰለማዊ መገዲ መፍትሒ ከምዘድሊ እውን ምዝራቦም ግዚኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.