Fana: At a Speed of Life!

ሰንደቕ ዓላማ መርኣያ ሕብረት፣ ምልክት መግለፂ ሃገራዊ ፍቕሪን ብሃራዊ ዝምዒትን ዜጋታት ኢዩ- ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰንደቕ ዓላማ መርኣያ ሕብረት፣ ምልክት መግለፂ ሃገራዊ ፍቕሪን ብሃራዊ ዝምዒትን ዜጋታት ኢዩ ክብሉ ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

መዓልቲ ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ፥ “ሰንደቕ ዓላማና ንብሄራዊ ሓድነትና፣ ሉእላዊነትናን ብራኸ ኢትዮጵያን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብዝተፈላለዩ መድላዋት ይኽበር ኣሎ።

ፕሬዚዳንት ታዬ፥ ሰንደቕ ዓላማ መርኣያ ሕብረት፣ ምልክት መግለፂ ሃገራዊ ፍቕሪን ብሃራዊ ዝምዒትን ዜጋታት ኢዩ ኢሎም።

ሰንደቕ ዓላማ ናይ መስዋእትነት፣ ናፅነት፣ ሉእላዊነትን ገዝኣት ሓድነትን ኣርማ አወን ከመዝኾነ ብምግላፅ፥ ምልክት ኣርማ ሓድነትና ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ጀጋኑ ደሞምን ዓፅሞምን ገቢሮም፣ መስዋአትነት ህይወት ከፊሎም ብኽብሪ ሓሊዮም ብኽብሪ ዘረከቡና ኣብ ልብና ተሓቲሙ ዝፀንሐ ናይ ተዓዋትነት ናይ ናፅነት ኣርማና ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ነብዙሓት ኣሽሓት ዓመታት ናፅነታ ሓሊያ ተሓፊራን ተኸቢራን ዝፀንሐት ዓባይ ኣፍሪካዊት ሃገር ከምዝኾነት ገሊፆም።

ብየሻምበል ምሕረት

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.