Fana: At a Speed of Life!

ሰነ-ስርዓት ቀብሪ ሰነ ጥበባዊ ዳዊት ነጋ ኣብ ቅድስ ስላሴ ካቴድራል ቤተክርስትያን ተፈፂሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሰነ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰነ-ስርዓት ቀብሪ ሰነ ጥበባዊ ዳዊት ነጋ ኣብ ቅድስ ስላሴ ካቴድራል ቤተክርስትያን ተፈፂሙ።

ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስድራቤትን ኣድነቕቲን ኣብ ዝተረኸቡሉ ፀሎተ ፍትሓትን ታሪኽ ሂወቱን ቀሪቡ።

ከያኒ ዳዊት ነጋ ካብ ኣብኡ ኣይተ ነጋ ተስፋይን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ፅገ ተስፋይን ሚያዝያ 1980 ዓ.ም ኣብ ከተማ መቐለ ተወሊዱ ዝዓበየን ዝተምሃረን እንትኸውን፥ ገና ወዲ 10 ዓመት እንከሎ ወለዱ ብሞት ከምዝተፈልይዎን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ኣብ ዝቕረበ ሂወት ታሪኹ ተገሊፁ።

ድምፃዊ ዳዊት ኣብ 15 ዓመት ዕድሚኡ ንሙዚቃ ዝነበሮ ፍቕሪን ሕልምን ናብ ተግባር ንምቕያር ናብቲ ብምርኢታት ሰርከስ፣ ሙዚቃን ተዋስኦን ዝነጥፍ ዝነበረ ጕጅለ ሰርከስ ትግራይ ከም ድምፃዊ ክፅምበር ሕቶ ኣቕሪቡ።

እቲ ሕቶኡ ብእዋኑ እወታዊ መልሲ ክረክብ’ኳ እንተዘይከኣለ፥ ሽዑ “ማርሽ ባንድ” ብዝብል ናብ ዝፍለጥ ክፍሊ ክፅምበርን ድራም (ከበሮ) ክሕዝን ዕድል ረኸበ።

ጎድና ጎድኒ እውን ድምፃዊ ናይ ምዃን ባህግን ሕልምን ስለዝነበሮ ደርፊ ምፍታን ኣየቋረፀን።

ስለዝኾነ ዳዊት ነቲ ከቢድ ጉዕዞ ፈተና ብፅንዓትን ብፃዕርን እናሰዓረ ብምምፃእ ናብቲ ዝደልዮ ሞያ ድምፃዊ ከምዝተፀምበረን ብፍሉይነት ድምፁን ቃናኡን ብቐሊሉ ንብዙሓት ክስሕብ ከምዝኻኣለን ተሓሩ።

ንብዙሓት ስነ-ጥበባውያን ትግርኛ ኣርኣያ ክኸውን ከምዝኸኣለን ንስነ-ጥበብ ትግርኛ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ምብፃሕ ዓብዪ እጃም ከምዝተፃወተን እውን ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ተገሊፁ

“ዳኣመና”፣ “ባባ ኢለን”፣ “ሕድያት መቐለ”፣ “ወዛመይ”፣ “ዘዊደሮ”፣ “ብነፀላይ”፣ “ቅዱስ ፀባያ”፣ “ቸቸኮላታ”፣ “ኣኽሱማዊት”ን “ኣጆኺ ትግራይ”ን ዝብላ ደርፍታቱ ካብቶም ኣብ እዝኒ ኣድነቕቱ በፂሖም ዝለዓለ ተቐባልነትን ናእዳን ዝረኸባ ስራሓቱ እየን።

ዳዊት ነጋ ኣብ ዝሓለፈ ሰኑይ ንዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ሕማም ስዒቡ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ኣዲስ ህይወት ዝተበሃለ ሆስፒታል ኣትዩ ክትትል ሕክምና ክግበረሉ ከምዝፀንሐ እውን ተገሊፁ።

ኣብቲ ሆስፒታል ሕክምናዊ ክትትል ክግበረሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብፍላይ ሰንበት 4 ሰነ 2014 ዓ.ም ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቐትሪ ሕማሙ ስለዝፀንዖ ናብ ክፍሊ ፅኑዕ ክንክን ከምዝኣተወን ምሸት ከባቢ ሰዓት 01፡ 00 ኣቢሉ ኣብ መበል 34 ዓመቱ ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየን ኣብቲ ዛንታ ህይወት ታሪኹ ተሓቢሩ።

ድምፃዊ ዳዊት ነጋ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሓደ ቘልዓን ነይሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.