Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ንክዋፈሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ንክዋፈሩ በዓል መዚ  ሲቪል ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ዓውዲ ውልቀ ኣብ ዓውዲ ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ዘለዎ ተሳትፎ ንክጉልብት ሰብ ሃፍቲ ብፍላይ ድማ ኣብ ስራሕቲ ምምሕዳር ኣናእሽቱ ኤርፖርታትን ህንፀት ሄሊፖርትን ንክሳተፉ ኢዩ ፃውዒት ቀሪቡ።

ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ዓለም ለኸ በርኪ ኤርፖርት ዝተውሃቦም ሓዊሱ 22 ስሩዕ ኣገልግሎት ኣብ ምሃብ ዘርከቡ ኤርፖርትታት ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ብቑፅሪ ይኹን ብዝህብዎ ኣገለግሎት ቅልጣፈ እኹል ከምዘይኮነ ተገሊፁ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ በዓል መዚ ጌታቸው መንግሥቴ፥ ኢትዮጵያ ብዓውዲ መጓዓዚያ ኣየር ካብ ኣፍሪካ ቀዳመይቲ ከምዘኾነት ኣዘኻኺሮም።

ይኹን እንበር ኣብ ኣናእሽቱ ኤርፖርታትን ህንፀት ሄሊፖርትን መስ ካልኦት ሃገራት አንትነፃፀር ትሑት ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ኣብ ኢንቨስትመንት ኣቪዬሽን ኢንዱስትሪ ንክዋፈሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብፈትያ ዓብደላ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.