ሰብ ሞያን ውሱን ሞያተኛታትን ናብ ስዑድ ዓረብ ንምልኣኽ ዘኽእል ስምምዕነት ንምክታም ተሓቲቱ
ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሞያተኛታትን ውሱን ሙያተኛታትን ኢትዮጵያውያን ናብ ስዑድ ዓረብ ንምልኣኽ ዘኽእል ስምምዕነት ንክኽተም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዑድ ዓረብ ሙክታር ከድር (ዶ/ር) ሓቲቶም፡፡
ኣምባሳደር ሙክታር ከድር (ዶ/ር) ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ስዑድ ዓረብ ዳይሬክተር ጀነራል ጉዳያት ኣፍሪካ ሳቀር ኣል ቆራሺ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ዞባዊን እዋናዊን ጉዳያት ዘትዮም፡፡
ኣብ ዘትኦም÷ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ምትሕብባረን ንምጥንኻር ኣብ ዘኽእል ጉዳያት ኣድሂቦም ምዝታዮም ተገሊፁ፡፡
ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ማእኸላት መፅንሒ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ናብ ሃገሮም ዝምለስሉ ከይዲ ብክልቲኦም ወገናት ዝግበር ምትሕብባር ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተሓቢሩ፡፡
ኣምባሳደር ሙክታር ከድር (ዶ/ር)÷ኢትዮጵያውያን ሞያተኛታትን ውሱን ሞያተኛታትን ናብ ስዑድ ዓረብ ንምልኣኽ ዘኽእል ስምምዕነት ንምክታም ሓቲቶም፡፡