Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ዓብዪ ዕድል ኣሎ – ኣምባሳደር ሚያን ኣቲፍ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣምባሳደር ፓኪስታን ሚያን ኣቲፍ ሰብ ሃፍቲ ሃገሮም ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንምግባር ዓብዪ ዕድል ከምዘሎ ገሊፆም፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ÷ ንኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ሚያን ኣቲፍ ሸሪፍ ሎሚ ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ተቐቢሎም ዝፀንሐ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ኣብ ምብፃሕ ዝጠመተ ዘተ ኣካይዶም።

ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣብቲ እዋን ዘተ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንት፣ ኣቪዬሽንን ባህላዊን ቴክኒካል ሓገዝን ዘሎ ክልተኣዊ ርክብ ብዝበለፀ ምጥንኻር ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ምቹው ኩነታት ኢንቨስትመንት ብምብራህ ፓኪስታን ኢንቨስትመንታ ንኽተዕቢ ሓቲቶም።

ኣምባሳደር ሚያን ኣቲፍ ብግደኦም፥ ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ዘሎ ጥንኩር ክልተኣዊ ርክብ ገሊፆም፡፡

መንግስቲ ፓኪስታን ኣብ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገንን መድረኻት ዘሎ ርክብ ንምድንፋዕ ድልየት ከምዘለዎ ምግላፆም ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.