ሰብ ሃፍቲ ግዝኣት ጃንግዙ ቻይና አብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ክገብሩ ከምዝደልዩ ገሊፆም
ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ለካቲት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዳይሬክተር ጀነራል ቢሮ ንግዲ ግዝኣት ጃንግዙ ዝተመርሐ ጉጅለ ልኡክ ቢዝነስ ምስ ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ተዛቲዩ፡፡
ዘለቀ ተመስገን (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን ዘተ÷ ኣብ ኢትዮጵያ እናተኻየደ ዝርከብ ሪፎርም ኢኮኖሚ ጥጡሕ ባይታ ኢንቨስትመንት ዝፈጥር ብምኳኑ ፤ እዚ ዕድል ሰብ ሃፍቲ ቻይና ንኽጥቀምሉ ፃውዒት ኣቕሪቦም፡፡
ዳይሬክተር ጀነራል ቢሮ ንግዲ ግዝኣት ጃንግዙ ሲ ዮንግ÷ ኢትዮጵያን ቻይናን ጥንኩር ንግዲን ኢንቨስትመንትን ከምዘለወን ተዛሪቦም፡፡
ብፍላይ ሰብ ሃፍቲ እታ ግዝኣት ኣብ ዓውዲ ማኑፋክቸሪንግ ንምውፋር ድልየት ከምዘለዎም ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝተረኸበ ሓበሬታ የመላኽት፡፡
እቲ ድልየት ተግባራዊ ንምግባር ዘኽእል ስምምዕነት ንምክያድ ድልዋት ምኳኖም እውን ገሊፆም፡፡