Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ኣብ ልምዓት ደርሁ ትግራይ መዋእለ ንወዮም ዘዋፍሩሉ ዕድል ንክፍጠር ክስራሕ ኢዩ – ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ርእሰ ምምሕዳር ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ  ኣይተ ጌታቸው ረዳ ሃገርለኸ ኤክስፖ ልምዓት ደርሁ ክልል ትግራይ ኣብ መቐለ በዕሊ ከፊቶም።

ኣይተ ጌታቸዉ ረዳ፥ እቲ ሃገርለኸ ኤክስፖ ቁጠባ እቲ ክልል ኣብ ምዕባይ ክንጥቀመሉ ይግባእ ኢሎም።

እቲ ዓዉዲ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ክምራሕን ሰብ ሃፍቲ መዋእለ ንዋዮም ዘዋፍሩሉን ዕድል ክፍጠር ክስራሕ እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኣካቢ ቦርድ ማሕበር ኣቀናበርትን ኣርባሕን ደርሆ ትግራይ  ታደለ ሓጎስ(ዶ/ር) ብግደኦም፥ ሕብረተሰብ ስጋ ደርሆ ዘለዎ ረብሓ ተረዲኡ ተረባሒ ንምግባርን ኣብቲ ልምዓት ደርሆ ንዝተዋፈሩ ወገናት ድማ ምትእስሳር ዕዳጋ ንምፍጣርን ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ካብ ዝተፈላለያ ከባቢታት እቲ ክልልን ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ብምምፃእ ኣብቲ ኤክስፖ ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት፥ እቲ ኤክስፖ ምኽፋቱ ምህርቶም ክሸጡን ከላልዩን ዕድል ከም ዝፈጠረሎም ገሊፆም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.