Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ኢራን ኣብ ዓውዲ ምግጥጣም ተሽከርከርቲ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢንቨስት ንኽገብሩ ክሰርሕ ኢየ – ኤምባሲ ኢራን ኣብ ኢትዮጵያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ኢራን ኣብ ዓውዲ ምግጥጣም ተሽከርከርቲ ኣብ ፓርክታት ኢንዱስትሪ ኢንቨስት ንኽገብሩ ከምዝሰርሑ ኣምባሳደር ኢራን ኣብ ኢትዮጵያ ኣሊ ኣክባር ገሊፆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ፓርክታት ኢንዱስትሪ ፍሰሃ ይታገሱ (ዶ/ር) ምስቶም ኣምባሳደር እተን ሃገራት ዘለወን ነዊሕ እዋን ርክብ ብኢንቨስትመንት ምጥንሓር ኣብ ዝከኣለሎም ኩነታት ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ እውን እቲ  ኮርፖሬሽን ኣብ ዘመሓድሮም ማእኸላት ኢንቨስትመንት ሰብሃፍቲ ብዙሕነት ክህልዎም እናገበሮ ኣብ ዝርከብ ምንቅስቓስ ኢራን ተሳታፊት ንኽትኮን እቶም ዋና ፈፃሚ ስራሕ ሓቲቶም፡፡

ነዚ ድማ ፎረም ኢንቨስትመንት ኢትዮ-ኢራን ምስንዳእ ሓዊሱ ካልኦት ሓገዝቲ ስራሕቲ ብሓባር ምውጋን ከምዝግባእ ምሕባሮም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ኣሊ ኣክባር ብግደኦም ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ዓውዲ ሓይሊ ዝተርኣየ ተስፋ ዝህብ ውፅኢት ንኢንቨስትመንት ምቹው ኩነታት ዝፈጥር ከምዝኾነ ብምግላፅ÷ “ሰብ ሃፍቲ ኢራን ኣብ ዓውዲ ኢንቨስትመንር ምቅንብባር ፍርያት ሕርሻን ኣብ ምፍራይን ምግጥጣምን ተሽከርከርቲን ኢንቨስት ንኽገብሩ ክንሰርሕ ኢና” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.