Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚነስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፎረም ንግዲን ኢንቨስትመንትን ኢትዮ-ቱርክ ኣብ ኢስታንቡል ተኻይዱ።
ኣምባሳደር ምስጋኑ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ዕድላት ቢዝነስ ምህላዎም ኣገንዚቦም።
ርክብ ንግድን ኢንቨስትመንትን ክልቲአን ሃገራት ናብ ዝለዓለ ብርኪ ክብ ንክብል ሰብ ሃፍቲ ቱርኪ ኣብ ኢትዮጵያ ኢንቨስት ንክገብሩ ፃውዒት ገይሮም።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብዙሓት ዓውዲታት ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ክፍቲ ከምዝገበረት ምግላፆም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።
ምክትል ሚኒስትር ሚኒስቴር ንግዲ ቱርኪ ሙስጠፋ ቱዝሁንን ፕሬዚዳንት ማሕበር ማሕበረሰብ ንግዲ ቱርኪን ማህመት ኣስማሽን ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ኣማራፅታት ኢንቨስትመንትን ንግድን ከምዘለዉ ገሊፆም።
You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.