Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ልምዓት ኢኖቬሽን፣ ቴክኖሎጂን ኢነርጂን ንምስታፍ ባህጊ ከምዘለዎም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ሰብ ሃፍቲ ሩስያ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ልምዓት ኢኖቬሽን፣ ቴክኖሎጂን ኢነርጂን ንምስታፍ ባህጊ ከምዘለዎም ኣቦ መንበር ማሕበር ኢንቨስተራትን መሃዝቲ ስራሕን ልምዓት ኢኮኖሚ ወፃኢ ሩሲያ ማረክ ሩስላን ገሊፆም።

በቶም ኣቦ መንበር ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ቢዚነስ ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ንዋየ ንያቶም ንምፍሳስ ኣብ ክሊ ዘኽእሎም ዓውዲታት ምስ ሚኒስቴር  ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ተዛቲዮም።

እቶም ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ዲጂታልን ሓምለዋይን ልምዓት ኢኮኖሚ ብምስታፍ ዘኻዕበትዎ ልምዲ ኣብ ኢትዮጵያ እውን ንምድጋም ድሉዋት ከምዝኾኑ ኣረጋጊፆም።

ሚኒስትር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር አብረሃም በላይ፥ ኢነርጂ ኒውክለር ብምልማዕ ብምትሕብባር ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ኣብሪሆም።

ኢትዮጵያ ዲጂታል ኢኮኖሚ ንምህናፅን ንወፃኢ ሰብ ሃፍቲ ምቹው ዝኾነ ኩነታት ንምፍጣር መንግስቲ ይገብሮ ዘሎ ስራሕቲ ምምሕያሽ መብርሂ ሂቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.