Fana: At a Speed of Life!

ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ልምዓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኢትዮጵያ ኣክሊሉ ታደሰ ምስ ኣምባሳደር ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ሽሪ ሮበርት ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ኣክሊሉ÷ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ዝፀንሐ ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ኣብ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ዘለዎም ግደ ዕዙዝ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣብ ቀፃሊ ብዙሓት ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣቲዮም መዋእለ ንዋዮም ንኸፍስሱ ዘኽእሉ ስራሕቲ ምምሕያሽ እናተሰርሑ ከምዝርከቡ ገሊፆም፡፡

ኣምባሳደር ሽሪ ሮበርት ብግደኦም÷ ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ሰፊሕ ዕድላት ኢንቨስትመንት ፈጢሮም እናሰርሑ ከምዝርከቡ ተዛሪቦም፡፡

ብፍላይ ኣብ ፓርኪታት ኢንዱስትሪ ዘለዎም ተሳትፎ ልዑል ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ኣብ ቀፃሊ ተወሳኺ ሰብ ሃፍቲ ኣቲዮም መዋእለ ንዋዮም ከፍስሱ ድሌት ከምዘለዎም ሓቢሮም፡፡

ሰብ ሃፍቲ ህንዲ ኣብ ብዙሓት ኢንዱስትሪ ፓርክታት ኢትዮጵያ ተዋፊሮም ንብዙሓት ዜጋታት ዕድል ዝስራሕ ከምዝፈጠሩ ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.