Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ደገፍ ንምቅልጣፍ መንግስቲ ዘሕለፎ ውሳነ ጎንፂ ደው ምባል ብማሕበረሰብ ዓለም ብእወንታ ይርአ ኣሎ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሰብኣዊ ደገፍ ንምቅልጣፍ መንግስቲ ዘሕለፎ ውሳነ ጎንፂ ደው ምባል ብማሕበረሰብ ዓለም ብእወንታ ይርአ ኣሎ ከብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ሰላማዊት ካሳ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ ህይወት ዜጋታት ቀዳምነት ዝሃበ ውሳነ መነግስቲ ኢትዮጵያ ሃገራት ብእወንታ ከምዝተቐበልኡ ተዛሪበን።

እቲ ሰብኣዊ ደገፍ ንምቅልጣፍ ነቲ ውሳነ ብኻሊእ ወገን ቁርፀኝነት ትፅቢት ከምዝግበር ኣብሪሀን።

መንግስቲ እቲ ስጉምቲ ናብ ውፅኢት ንክልወጥ ዝተማልአ ቁርፀኝነት ከምዘለዎ እውን ኣረጋጊፀን።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ጉድኣት ኣብ ዝበፅሖም ከባቢታት ዘለዉ ዜጋታት ንምድጋፍ ልዑል ፃዕሪ ይግበር ኣሎ ኢለን።

እቲ ሓገዝ ብመንግስቲ ጥራሕ ዝሽፈን ስለ ዘይኮነ ዓለም ለኸ ትካላትን መላእ ኢትዮጵያዊያንን ንክረባረቡ ሓቲተን።

ብምኽኒያት ኲናት ኣብ ክልል ኣምሓራ ጥራሕ 1 ነጥቢ 4 ሚሊየን ዜጋታት ተመዛቢሎም ከምዝነበሩ ብምግላፅ፥ ካብቶም ተመዛበልቲ እቶም 1 ነጥቢ 2 ሚሊየን ናብ መረበቶም ምምላስ ከመዝተኽኣለ ሓቢረን።

ንሎሚ ጥራሕ ዘይኮነስ ንፅባሕ እውን ኢትዮጵያ ንምጉዳእ ዝተሰናድአ ረቂቕ ውሳነ ሓሳብ ኤፍ ኣር 6600 መንግስቲ ንሰብኣዊነት ዝገበሮ ፃዕሪታት ኣብ ገምት ዘየእተወን ንጌገኛ ትኹረት ዘይገበረን ብምዃኑ ንከይፀድቕ ዝተጀመረ ኩለ መዳይ ፃዕሪ ንክጠናኸር ፃውዒት ኣቕሪበን።

ብሃብታሙ ተክለስላሴ

 

 

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.