Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 30 ተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ንምጉዕዓዝ ድልዋት ከምዝኾና ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 30 ተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ንምጉዕዓዝ ድልዋት ከምዝኾና ኣፍሊጡ።

ሓላፊት ኮሙዩኒኬሽን ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ክሌር ኔቪል ከምዝገለፀኦ፥ ንህፁፅ እዋን ሓገዝ ዘድልዩ ቀረባትን ሃነፅቲ ምግቢታትን ዝሓዛ 39 ተሸከርከርቲ ናብ ትግራይ ንምጉዓዝ ድሉዋት ኮይነን።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ ቅዋም ምቁራፅ ተኹሲ ብሰናይ ጎኑ ይሪኦ ዝበላ እተን ሓላፊት፥ እቲ ትካልን መዳርግቱን ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብፃሕ ዓቕሚ ከምዘለዎም ገሊፀን።

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ ፈላማይ ወርሒ ሚያዝያ 2022 ጀሚሩ ሓገዝ ዝፀዓና ተሸከርከርቲ ብወገን ዓፋር ናብ ትግራይ ድሕንነተን ተሓሊዩ ናይ ምጉዓዝ ኩነታት ምምሕያሽ ከምዝተረኣየን እቲ ፅቡቕ ጅማሮ ብምዕባይ ሓግ ንዘድልዮም ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ወገናት በቢመዓልቱ ሓገዝ ምብፃሕ ከምዘድሊ እተን ሓላፊት ኮሙዩኒኬሽን ኣብሪሀን።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብምኽንያት እቲ ኲናት ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ሓገዝ ምግቢ ካብ ሞንጎ ዘድልዮም ን3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዜጋታት ህፁፅ ሓገዝ ምግቢ ተበፃሒ ንምግባር እናሰርሐ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።

ብመሰረት እዚ እቲ ትካል ኣብ ክልል ትግራይ ን2 ነጥቢ 13 ሚሊየን፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ን650 ሺሕን ኣብ ክልል ዓፋር 630 ሺሕ ሰባት ንምሕጋዝ ከምዝተለመ ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.