Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና 20 ተሸከርከርቲ ናብ ክልል ትግራይ ምእታወን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ምግቢ፣ ዘረኣቲ እኽሊ፣ ቀረባት ሕክምናን መሕከሚ ማይን ዝፀዓና 20 ተሸከርከርቲ መቐለ ምእታወን ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እቲ ቀረብ ሕክምና ኣብ ክልል ትግራይ ቀደማይ ደረጃ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ዝህባ 13 ጣቢያታት ጥዕና ዝርከቡ 65 ሺሕ ተሓከምቲ ንሰለስተ ወርሒ ከምኡ እውን ኣብ ኣርባዕተ ሆስፒታላት ንዝርከቡ 6 ሺሕን 600 ተሓከምቲ ሕማም ሽኮርያ ንሓደ ወርሒ ዘገልግል ከምዝኾነ ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ፥ ኣብ ሆስፒታላት ሽረ፣ ሰሜንን ሸራሮን ንዝርከቡ ኣገልግሎት ጥዕና ዓቕመን ከምዘድንፍዕን ቀዳማይ ደረጃ ኣገልግሎት ኣብ ዝህባ 19 ማእኸላት ጥዕና ዝርከቡ 20 ሺሕ ተሓከምቲ ሓዊሱ ሰብ ሞያ ጥዕናን ስድረኦምን ንሓደ ወርሒ ዘገልግል ሓገዝ ምግቢ ዘካተተ ከምዝኾነ እቲ ኮሚቴ ገሊፁ፡፡

ሓገዝ ዓለም ለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ኣብ ከተማታት መቐለ፣ ዓዲግራት፣ ሽሬ፣ ዓድዋን ኣክሱምን ዝርከቡ መሰረተ ልምዓታት ማይ ብምፅጋንን ብምሕካምን ኣብተን ከተማታት ዝነብሩ ዜጋታት ተጠቀምቲ ፅሩይ መስተ ማይ ንኽኾኑ ዝሕግዝ ኢዩ ተባሂሉ።

ካብ ሓገዝ ቀረብ ሕክምናን ማይን ብተወሳኺ ን15 ሺሕ ዜጋታት ዘገልግሉ ኣቑሑት ውሽጢ ገዛን ን20 ሺሕ ሓረስቶት ዝከፋፈሉ ዝራእቲ ከምዘካትት ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.