Fana: At a Speed of Life!

ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከብፅሕ ከምዝኸኣለ ዩኒሴፍ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ድሕሪ ስምምዕነት ሰላም ፈላማይ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ትግራይ ከብፅሕ ከምዝኸኣለ ትካል መድሕን ህፃናት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩኒሴፍ) ኣፍሊጡ።

እቲ ሰብኣዊ ሓገዝ ብፍላይ ንደቂ ኣንስትዮን ህፃናትን መድሕን ህይወት ዝኾኑ ናውቲ ከምዝኾነ ካብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፅ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ቀፃሊ እውን በቲ ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖም ኩሎም ከባቢታት ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ተወሳኺ ደገፍ ናውቲታት ሕክምና ዝፀዓና 6 ተሽከርከርቲ መቐለ ትማሊ ምሸት ከምዝኣተዋ ዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.